ሩስያን ኢራንን ስትራተጂካዊ ውዕለን እወታዊ ውጽኢት ይርከቦ ኣሎ ኢለን
ንግዳዊ ምልውዋጠን ብልዕሊ 20 ሚእታዊት ክብ ኢሉ፤ ፑቲን ብዛዕባ ኲናት ኢራን ተዛሪቡ

ሩስያን ኢራንን ኣብ ምጅማር ዝሓለፈ ዓመት ዝኸተምኦ ኣጠቓላሊ ስትራተጂካዊ ናይ ምትሕግጋዝ ውዕል እወታዊ ውጽኢት ይርከቦ ከም ዘሎ ሓቢረን።
መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ብ8 ጥቅምቲ ኣብ ቱርከሚኒስታን ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ፡ ንግዳዊ ምልውዋጥ ሃገራቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብልዕሊ 20 ሚእታዊት ክብ ከም ዝበለ ገሊጾም። እቲ ንግዳዊ ንጥፈታት ኣብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ኣዋርሕ እወታዊ ገስጋስ ከም ዘርኣየ እውን ኣፍሊጦም።
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲንን ፕረዚደንት መስዑድ ፐዘሽክያንን ኣብ ዝርርቦም፡ ኣብ ቁጠባ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ጸጥታን ካልእ መዳያትን ዝተበጽሐ ስምምዓት እውን ከከም ቀዳምነታቱ ይትግበር ከም ዘሎ ኣረዲኦም።
ፕረዚደንት ፑቲን ብተወሳኺ፡ ሩስያ ነቲ ኲናት ኢራን ብሰላም ንምዕራፍ ተራኣ ከም እትጻወት ሓቢሩ። እቲ ኲናት ንዞባ ማእከላይ ምብራቕ ጥራይ ዘይኮነ ብደረጃ ዓለም ከይተረፈ ጸገማት ፈጢሩ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ኣመሪካን ኢራንን ብዝርርብ ንምዕራፉ ክጽዕራ ኣተሓሳሲቡ።
