ጉተረዝ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት ብቕልጡፍ ደው ክብል ኣለዎ ኢሉ
ብዛዕባ ምእታው ሓይልታት ኤርትራ ዝገልጹ ጸብጻባት ተወሳኺ ስክፍታ ከም ዘለዎ ኣመልኪቱ
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ዳግማይ ተሓዲሱ ኣብ ዘሎ ግጭት ዓሚቕ ስክፍታ ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ኣብቲ ዓርቢ 9 ጥቅምቲ ዝወጸ መግለጺ፡ ጉተረዝ ኩሎም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ወገናት እቲ ግጭት ብቕልጡፍ ደው ከብሉን ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ናብ ዘተ ክምለሱን ብትሪ ከም ዝተማሕጸነ ወሃቢ ቃሉ ስተፋን ዱጃሪክ ሓቢሩ።
እቲ ዋና ጸሓፊ፡ ሓይልታት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ምእታዎም ዝገልጹ ጸብጻባት ተወሳኺ ስክፍታ ከም ዝፈጠሩሉ ኣመልኪቱ፡ ኩለን ሃገራት እቲ ዞባ ብመሰረት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ግዝኣታዊ ምሉእነት ወይ ፖለቲካዊ ናጽነት ካልእ ሃገር ሓይሊ ካብ ምጥቃምን ምፍርራሕን ክቑጠባ ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ መወዳእታ፡ ጽልዋ ዘለወን ሃገራት ነቲ ወጥሪ ንምንካይ ክሰርሓ ጸዊዑ፡ ነቲ ጉዳይ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ናይ ሽምግልና ኣበርክቶ ንምግባር ድልውነቱ ኣረጋጊጹ።
