ግብጺ፡ ኢትዮጵያ ንኤርትራ እናወረረት ስቕ ኢለ ኣይርእን ኢላ
ጋዜጠኛ ካልድ መሓመድ፡ ዝኾነ ወተሃደራዊ ተበግሶ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዞባዊ ሚዛን ይዘናብል ኢሉ

ግብጻዊ ጸሓፍን ጋዜጠኛን ካልድ መሓመድ፡ ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ስግኣት ንቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን እናኾነት ግብጺ ስቕ ኢላ ብደወታ ከም ዘይትዕዘቦ ጽሒፉ።
እቲ ጸሓፊ፡ ግብጺ ነቲ ኢትዮጵያ ንኲናት ትግራይ ክትመጦ ወይ ምስ ኤርትራ ንምግጫው እትገብሮ ዘላ ሃቀነታት ኣተኲራ ትዕዘቦ ከም ዘላ ኣብሪሁ።
ዝኾነ ሓድሽ ወተሃደራዊ ተበግሶ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወይ ስግኣት ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ፡ ቀጥታዊ ምልክት ምዝንባዕ ዞባዊ ሓይልን ጸጥታ ማያዊ መስመርን ከምኡውን ንዝምድና ግብጺ ምስ ኤርትራ፡ ሱዳንን ሶማልን ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ መወዳእታ፡ ብስርዓት ኢትዮጵያ ዝድስቕ ዘሎ ከበሮ ኲናት ይቕጽል ኣሎ ድሕሪ ምባል፡ ከምዚ ዓይነት ኲናት ነቲ ስርዓትን ንህዝቢ ኢትዮጵያን ደምሳሲ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ኣጠንቂቑ።
