ግብጺ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ስጉምቲ ንምውሳድ ድልውቲ ምዃና ተገሊጹ
ምዕባለታት ኢትዮጵያ ንጸጥታ እቲ ዞባ ኣብ ሓደጋ እንተኣእትዩ ኢዳ ኣጣሚራ ኣይትርእን ተባሂሉ
ግብጺ፡ ህሉው ምዕባለታት ኢትዮጵያ ንጸጥታ ዞባ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ብቐጥታ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እንተኾይኑ ስጉምቲ ክትወስድ ድልውቲ ምዃና ተገሊጹ።
ግብጺ ንምንቅስቓስ ኢትዮጵያ፡ ኪኖ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ግጭትን ምስ ኤርትራ ዘለዋ ምስሕሓብን፡ ብደቂቕ ትከታተሎ ምህላዋ ግብጻዊ ጋዜጠኛ ኣሽራቕ ኣልኣውሳጥ ካልድ ማሕሙድ ገሊጹ።
እቲ ጋዜጠኛ፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ሓድሽ ወተሃደራዊ ክውንነት ንምፍጣር ወይ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ንምእታው ዝግበር ዝኾነ ፈተነ፡ ኣብ ዞባዊ ሚዛን ሓይልን ጸጥታ ባሕርን ከምኡውን ኣብ ዝምድና ግብጺ ምስ ኤርትራ፡ ሱዳንን ሶማልን ቀጥታዊ ጽልዋ ከም ዘለዎ ኣረዲኡ።
ግብጺ ኣብ ኢዳ ብዙሕ ኣማራጺ ስለ ዘለዋ፡ ኣብዚ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ዞባ ሚዛን ሓይሊ ንምቕያር ዝግበር ፈተነ ኢዳ ኣጣሚራ ክትዕዘብ ተኽእሎ ከም ዘየለ ዝበለ እቲ ጋዜጠኛ፡ እቲ ክኣትዎ ዝድለ ዘሎ ኲናት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣዕናዊ ሳዕቤን ከምጽእ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።
