ቻይናን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ንግዳዊ ፍልልያቶም ንምጽባብ ተዘራሪቦም
ኣብ 2025 ልዕሊ 860 ቢልዮን ዶላር ተለዋዊጦም፤ ናብ ሓደ ትሪልዮን ከብጽሕዎ መደብ ኣለዎም

ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ንግዳዊ ፍልልያቶም ንምጽባብ ዝሕግዝ ተወሳኺ ናይ ምምኽኻር ዝርርብ ትማሊ 9 ጥቅምቲ ኣካዪዶም።
እቲ ኣብ ቻይና ዝተኻየደ ዝርርብ ኣብ ምምሕያሽ ንግዳዊ ዝምድና፡ ከምኡውን ኣብ ምቁጽጻር መጠን ቀረጽን ወፍርን ዘተኮረ ምንባሩ ተገሊጹ።
ክልቲኦም ወገናት ብጉዳይ ቀረጽ ኣብ መንጎኦም ዝተፈጥረ ንግዳዊ ዘይምቅዳው ንምህዳእ ተደጋጋሚ ዝርርብ ከካይዱ ጸኒሖም፤ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ እውን ዘትዮም ነይሮም።
ኣብ 2025 ናይ ልዕሊ 860 ቢልዮን ዶላር ንግዳዊ ምልውዋጥ ከም ዘካየዱ ብምሕባር፡ ነቲ ኣሃዝ ኣብዚ ዓመት ናብ ኣስታት ሓደ ትሪልዮን ዶላር ክብ ንምባሉ መደብ ከም ዘለዎም ይጠቕሱ። ኤውሮጳዊ ሕብረት ሓደ ካብ ዝዓበዩ ንግዳውያን መሻርኽቲ ቻይና እዩ።
