ቻነል 4 ብዛዕባ ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ዝዘርግሐቶ ዜና ይቕሬታ ሓቲታ
ዋና ኣሰናዳኢት ሊንድሲ ሂልሰም፡ እቲ ዝተጠቐምናሉ ቪድዮ ናይ ሕጂ ኣይነበረን ኢላ

ዋና ኣሰናዳኢት ቻነል 4 ሊንድሲ ሂልሰም፡ እቲ ትመርሖ ማእከል ዜና ዘቕረቦ ሰራዊት ኤርትራ ንኢትዮጵያ ወሪሩ ዝብል ዜና ዝተጠቕመሉ ስእልን ቪድዮን ሓሶት ምዃኑ ብምግላጽ ይቕሬታ ሓቲታ።
ቻነል 4 ሰራዊት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ብምባል ስእልን ቪድዮን ኣሰንያ ምዝርግሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት እቲ መርትዖ ተባሂሉ ዝቐረበ ስእልን ቪድዮን ሓሶት ምዃኑ ክሕበር ጸኒሑ።
ድሕሪዚ እታ ዋና ኣሰናዳኢት ኣብ ናይ ኤክስ ሕሳባ ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ፡ እቲ ዝተጠቐምናሉ ስእሊ ናይ ሕጂ ምዃኑ ከየረጋገጽና ሓበሬታ ዘርጊሕና፤ ብዝፈጸምናዮ ጌጋ ይቕሬታ ንሓትት ኢላ። እቲ ትሕዝቶ ካብ ገጻቶም ከም ዝእለ እውን ገሊጻ።
እታ ቻነል ነቲ ኣብ ጥሪ 2023 ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ እናወጸ ዘርኢ ስእሊ ካብ መኽዘናታ ኣውጺኣ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሰራዊት ኤርትራ ንኢትዮጵያ ይወርር ብምባል ከም ዝዘርግሐቶ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
