ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ንዘተ ድልውቲ ምዃና ገሊጻ
ኢትዮጵያ ንዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ትህቦ ዘላ ደገፍ ደው እንተ ኣቢላ ጥራይ፡ ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ዝህቦ ዘሎ ደገፍ ደው ዘብልን ድሕንነት ሱዳን ካብ ምዝራግ ዝቝጠብን እንተዀይኑ፡ ምስ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዘተ ንምእታው ድልውቲ ምዃና ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ሙሕየዲን ሳልም ምግላጹ ወግዓዊት ኤጀንሲ ዜና ሱዳን (ሱና) ሓቢራ።
እቲ ሚኒስተር ነዚ ዘፍለጠ፡ ምስቲ ኣብ ሱዳንን ቀርኒ ኣፍሪቃን ፍሉይ ልኡኽ ፈረንሳ ዝዀነ ዣን-ማሪ ሳፋ ኣብ ዘካየዶ ርክብ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሱዳን ኢዱ ከም ዘየእቱን ንዝዀነ ወገን ወተሃደራዊ ደገፍ ከም ዘይህብን ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ። ኣዲስ ኣበባ፡ እቲ ቅልውላው ብዘተን ተዅሲ ደው ብምባልን ጥራይ ክፍታሕ ከም ዝኽእል ትገልጽ።
ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ወጥሪ ኣቐዲሙ ብኸበድቲ ክስታት ተሰኒዩ ጸኒሑ እዩ። ሮይተርስ ኣብ ዘውጽኦ መርመራዊ ጸብጻብ፡ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ብደገፍ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ መዓስከር ታዕሊም ተኸፊቱሎም ከም ዘሎ ኣቃሊዑ ነይሩ፤ ኣዲስ ኣበባን ኣቡዳቢን ግን ነቲ ክሲ ብትሪ ነጺገንኦ እየን።
