ኣብ ሱዳን መጥቃዕቲ ድሮን 41 ሰባት ቀቲሉ
መብዛሕትኦም ግዳያት ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን፤ ሕቡራት ሃገራት ነቲ መጥቃዕቲ ኰኒንዎ

ኣብ ደቡብ ምብራቕ ሱዳን ግዝኣት ብሉ ናይል፡ ምስ ዶብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝዋሰን ከባቢ ኣቡ ሻንዲ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ብዝተፈጸመ ከቢድ መጥቃዕቲ ድሮን፡ 41 ሰባት ተቐቲሎም ዓሰርተታት ድማ ቆሲሎም።
በቲ ኲናት ተሰዲዶም ዑቕባ ኣብ ዝደለዩ ስድራቤታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስለ ዝኾነ፡ መብዛሕትኦም ግዳያት ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ምዃኖም ተገሊጹ።
ጉጅለ ተጣባቒ መሰላት Emergency Lawyers፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመቶ ምስ ሰራዊት ሱዳን እትዋጋእ ዘላ ሓይልታት ራፒድ ሳፖርት ምዃና ሓቢሩ፤ እታ ሓይሊ ግን ክሳብ ሕጂ ወግዓዊ መልሲ ኣይሃበትን።
ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ነቲ ፍጻመ ብትሪ ኮኒኑ፤ ዩኒሰፍ ድማ ካብቶም ዝሞቱ ሓሙሽተ ትሕቲ 10 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ምንባሮም ገሊጹ።
