ሶማልያ ኣብቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ምስሕሓብ ዘይሻራዊነታ ኣዊጃ
መርገጺ መቅዲሾ ሰላም ኣብ ምክልኻልን ሃገራዊ ረብሓ ኣብ ምሕላውን ዝተመስረተ እዩ ኢሎም ሰብ መዚ።

ሶማልያ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን እናገደደ ይመጽእ ብዘሎ ወተሃደራዊ ውጥረትን ምስሕሓብን ዘይሻራዊነታ ከም እትሕሉ ብወግዒ ኣፍሊጣ።
እዚ ውሳነ ዝመጸ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ዝተወለዐ ውግእ ናብ ዞባዊ ዓብዪ ግጭት ከይዓቢ ስግኣታት ኣብ ዝዓበየሉ እዋን እዩ።
ናይ ሶማልያ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሓሰን መሓመድ ዓሊ ናዳራ ንቢቢሲ ሶማሊ ከም ዝገለጾ፡ መርገጺ መቅዲሾ ሰላም ኣብ ምክልኻል፡ ሃገራዊ ረብሓ ኣብ ምሕላውን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ኣብ ምቕጻልን ዝተመስረተ እዩ።
