ልፍንቲ ስዑዲ ኣብ ያንቡ ዝተወንጨፈ ሚሳይል ኣፍሺሉ
ኣርባዕተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝሃረመ ዝሓበረ ልፍንቲ፡ ኣብ ዓደን ድማ ክልተ ሚሳይላት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዓሊበን።

ኣብ የመን ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ሓባራዊ ሓይሊ፡ ብ16 ጥቅምቲ ኣማሲኡ ናብ ምብራቓውን ደቡባውን ክፋል ስዑዲ ዓረብን ርያድን ገጸን ዝበራ ዝነበራ ብድምር ኣርባዕተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምህራሙን፡ ናብ ወደባዊት ከተማ ያንቡ ዝተወንጨፈ ባልስቲክ ሚሳይል እውን ከም ዘፍሸለን ኣረጋጊጹ።
እቲ ልፍንቲ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መግለጺ፡ ብዛዕባ ዝወረደ ጉድኣትን ዕንወትን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን። ኣብዚ ሰሙን ብሓሙስ ኣብ ሸነኽ ምዕራብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ዞባ መዲና ንዝተወንጨፈ ክሩዝ ሚሳይል ከም ዝተኻላኸለ እውን ሓቢሩ።
ወተሃደራዊ ወሃቢ ቃል ጉጅለ ሑቲ ያህያ ሳሪ ግን፡ እቲ ጉጅለ ብሓሙስ ኣብ ልዕሊ መሬት ስዑዲ ዓረብ ዝዀነ መጥቃዕቲ ከም ዘየካየደ ብምባል ነቲ ክሲ ነጺግዎ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት፡ ኣብ ዓደን ክልተ ሚሳይላት ኣብ ቀጽሪ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝዓለቡ ክፍሊ ጸጥታ እታ ከተማ ሓቢሩ፤ ነቲ ምስ ኢራን ወጊኑ ዘሎ ጉጅለ ሑቲ ድማ ወቒሱ። እዚ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ኣብ ልዕሊ እቲ ትሕተ ቅርጺ ዝተፈጸመ ካልኣይ መጥቃዕቲ እዩ። እተን ሚሳይላት ኣብ ዝዓለባሉ እዋን፡ ናብ ካይሮ ንምብራር ትዳሎ ዝነበረት ነፋሪት መንገዲ ኣየር የመን ኣብቲ ቀጽሪ ነይራ።
ብሰንኪ እዞም ሓደሽቲ ፈተነታት መጥቃዕቲ፡ ዋጋ ዘይተጻረየ ነዳዲ ብሬንት ድሕሪ ወርሒ ግንቦት ንፈለማ እዋን ንዝተወሰነ ሰዓታት 110 ዶላር ንበርሚል በጺሑ።
