ነዳዲ ሩስያ ናብ ዕዳጋታት ዓለም ተመሊሱ
ድሕሪ እቲ ኣብ መንጎ ፑቲንን ትራምፕን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ኣመሪካ ነቲ እገዳ ክሳብ ሚያዝያ 2027 ኣወንዚፋቶ።

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲንን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ድሕሪ ዝበጽሕዎ ስምምዕ፡ ፍርያት ነዳዲ ሩስያ ናብ ዕዳጋታት ዓለም ክሽየጥ ከምዝጀመረ ተቓሊሑ።
ክልቲኦም መራሕቲ ብ9 ጥቅምቲ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ቴለፎን ዝርርብ፡ ሩስያ ናብ ዕዳጋታት ዓለምን ኣመሪካን ቀረብ ነዳዲ ክትገብር ከም እተሰማምዑ ይዝከር።
ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ሩስያ ኣብዚ ወርሒ 300 ሽሕ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ 500 ሽሕ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ድማ ሓደ ሚልዮን ቶን ናፍታ ናብ ዕዳጋታት ዓለም ከተውርድ እያ።
ከም ኣካል እቲ ስምምዕ፡ ቤት-ጽሕፈት ግምጃ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰደድ ነዳዲ ሩስያ ኣጽዲቕዎ ንዝጸንሐ እገዳ ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ 2027 ብምውንዛፍ፡ ንመስርሕ መሸጣኡ ዝምልከት ግዝያዊ ፍቓድ ሂቡ ኣሎ። እቲ ስጕምቲ ኣብ ምርግጋእ ዕዳጋታት ዓለም እወታዊ ተራ ከም ዝህልዎ ይእመት።
