ኦፔክ፡ ወሰኽ ጠለብ ነዳዲ ብ71 ሚእታዊት ከም ዝጐደለ ገሊጹ
ካብ 1.4 ሚልዮን በርሚል ናብ 400 ሽሕ በርሚል መዓልታዊ ወሪዱ።

ኣብ 2026 ዕለታዊ ኣስታት 1.4 ሚልዮን በርሚል ክበጽሕ ተገሚቱ ዝነበረ ወሰኽ ጠለብ ነዳዲ ናብ 400 ሽሕ በርሚል ከም ዝወረደ ውድብ ኣፍረይትን ለኣኽትን ነዳዲ (ኦፔክ) ሓቢሩ።
እቲ ኣሃዝ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተኣመቶ ብ71 ሚእታዊት ከም ዝጐደለ እቲ ውድብ ገሊጹ።
ኣብ ጽላት ጸዓት ዝተገብረ ትሑት መጠን ወፍሪ፡ ከምኡ እውን ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ኤውሮጳን ዝተኸስተ ጸጥታውን ወተሃደራውን ቅልውላው ካብ ሳዕቤናት ናይቲ ክስተት ምዃኖም ተሓቢሩ።
ኣብ 2027 ወሰኽ ጠለብ ነዳዲ መዓልታዊ ናብ 1.7 ሚልዮን በርሚል ክብ ክብል ከም ዝኽእል ግምት ክኢላታት ኣሎ።
ዋጋ ነዳዲ ኣብ ዕዳጋታት ዓለም 100 ዶላር ንበርሚል በጺሑ ከም ዘሎ ጸብጻባት የረድኡ።
