ኣብ ለንደን ሰደድ ኣጽዋር ናብ እስራኤል ክቋረጽ ሰልፊ ተኻዪዱ
ኣሽሓት ሰልፈኛታት ንግዳዊ እገዳ እውን ክውሰን ጸዊዖም

ብሪጣንያ ንእስራኤል እትገብሮ ሰደድ ኣጽዋር ክተቋርጾ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ብ11 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ለንደን ተኻዪዱ።
ኣሽሓት ሰልፈኛታት፡ ሰደድ ኣጽዋር ጥራይ ዘይኮነ ሃገሮም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንግዳዊ እገዳ ክትውስን ጸዊዖም።
ብሪጣንያ ድሕሪ እቲ እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዘበገሰቶ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ንእትልእኸላ መጠን ኣጽዋር ከም ዝነከየቶ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ጠቕሊላ ደው ክተብሎ እዮም ሰልፈኛታት ተማሕጺኖም።
ብሪጣንያ ነቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝግበር ዘይሕጋዊ ምስፍሕፋሕ ሰፈራታት እውን ትቃወሞ ምህላዋ ይፍለጥ።
