ኣመሪካ ገለ ካብ ጠለባት ኢራን ከም ዝተቐበለቶ ተገሊጹ
እቲ ስጉምቲ ግን መጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ኣኻሊ ኣይኮነን ኢሎም ሰብ መዚ ጸጥታ ኢራን።

ኣመሪካ ንገለ ካብቲ መጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ዝቐረበ ጠለባት ከም ዝተቐበለቶ ኢራን ሓቢራ።
ይኹን እምበር፡ እቲ ስጉምቲ ዲፕሎማስያዊ ባይታ ካብ ምጥጣሕ ሓሊፉ ነቲ ማያዊ መስመር ንምኽፋት ኣኻሊ ከም ዘይኮነ ሰብ መዚ ጸጥታ ኢራን ገሊጾም።
ኢራን ነቲ መስመር ክትከፍቶ እንተኾይና፡ ኣብ ልዕሊኣ ጸኒዑ ዘሎ እገዳ ክለዓል፡ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ዘካይደኦ ዘለዋ ወተሃደራዊ ወፍሪ ክቋረጽ፡ ካብን ናብን ወደባታ ንዝግበር ምንቅስቓስ መራኽብ ንምዕጋት ዝተወስደ ስጉምቲ ክእለን ደስኪሉ ዘሎ ገንዘባ ክልቀቕን ዝርከቦ 7 ጠለባት ኣቕሪባ ኣላ።
እንተኾነ ግን፡ ኣመሪካ ነየኖት ጠለባት ከም ዝተቐበለት ዝገልጽ ዝርዝር ሓበሬታ ክሳብ ሕጂ የለን። ኣብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካን ዘሎ መሰረታዊ ፍልልያት ነቲ ዝካየድ ዝርርብ ሰላም ዓንቂጽዎ ከም ዘሎ ጸብጻባት የረድኡ።
