ኢራን ስዑዲ ዓረብን ሑቲን ዘተ ከካይዱ ትጽውዕ
ኣፈኛ እስማዒል ባጋይ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዘተ ንምምችቻእ ድሉዋት ኢና ኢሉ።

ስዑዲ ዓረብን የማናዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሑቲን ናብ ጣውላ ቀሪቦም ዘተ ንኸካይዱ ክትሕግዝ ድሉውቲ ምዃና፡ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን እስማዒል ባጋይ ደጊሙ ገሊጹ።
ባጋይ ኣብ ሰሙናዊ ጋዜጣዊ መግለጺኡ፡ በቲ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዘለዎ ከቢድ ስግኣት ድሕሪ ምግላጽ፡ ኢራን ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ሑቲን ደማዊ ግጭት ክቕጽል ከም ዘይትቕበሎ ኣረዲኡ።
እቲ ኣፈኛ ነዚ ዝገለጸ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ ምስ ስዑዳዊ መዘናኡ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፡ ሃገሩ ባይታ ከተጣጥሕ ድልውቲ ምዃና ድሕሪ ምግላጹ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ።
እዚ ጻውዒት ዝቐርብ ዘሎ ኣብ መንጎ ክልተኦም ወገናት ርሱን ወተሃደራዊ ምዕባለታት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን እዩ።
