ወፍሪ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ንቑጠባ ዓለም ከዕብዮ እዩ ኢሉ IMF
ኣብ 2027 ቑጠባ ዓለም ብኣስታት ሰለስተ ሚእታዊት ክዓቢ ከም ዝኽእል ተገሚቱ።

ኣብ ጽላት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝግበር ዘሎ ገዚፍ ወፍሪ ኣብ ዕቤት ቑጠባ ዓለም እወታዊ ተራ ክጻወት ከም ዝኽእል ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ኣሚቱ።
ኣብ 2027 ቑጠባ ዓለም ብኣስታት ሰለስተ ሚእታዊት ክዓቢ ከም ዝኽእል ዝገመተ እቲ ማዕከን፡ ዝዓበየ ክፋሉ ኣብ ቴክኖሎጂ ብዝግበር ዘሎ ወፍሪ ከም ዝጽሎ ኣረዲኡ።
ከም ውጽኢት ናይቲ ወፍሪ ቑጠባ ኤስያ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተገመቶ ብኣስታት ሓደ ሚእታዊት ክዓቢ ተኽእሎ ከም ዘሎ እውን ገሊጹ።
ቻይና፡ ደቡብ ኮርያ፡ ጃፓንን ታይላንድን ዝርከብአን ሃገራት ኤስያ ኣብ ጽላት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ገዚፍ ወፍሪ የካይዳ ከም ዘለዋ ይጥቀስ።
ብደረጃ ዓለም ኣብ 2026 ኣብዚ ጽላት ኣስታት 2.7 ትሪልዮን ዶላር ከም እተገብረ ዝጠቕሱ ጸብጻባት፡ እቲ ኣሃዝ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ናብ 3.5 ትሪልዮን ዶላር ክበጽሕ ከም ዝኽእል የመልክቱ።
