ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝዓበየ እገዳ ክውስን እዩ
እቲ ሓድሽ ስጉምቲ ንወተሃደራዊ ኢንዱስትሪ፡ ብቐንዱ ድማ ንመፍረ ኣጽዋር ዕላማ ዝገበረ እዩ።

ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣቐዲሙ ካብ ዘጽደቖ ዝዓበየ ምዃኑ ዝገለጾ እገዳ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ከም ዝውስን ሓቢሩ።
እዚ ሓድሽ ስጉምቲ ንወተሃደራዊ ኢንዱስትሪ፡ ብቐንዱ ድማ ንመፍረ ኣጽዋር ዕላማ ዝገበረ ምዃኑ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ እቲ ሕብረት ገሊጾም።
እቲ እገዳ ተግባራዊ ምስ ኮነ መፍረ ሚሳይላት ሩስያ ብኸቢድ ከም ዝህሰ እቶም ሚኒስተራት ኣሚቶም ኣለዉ።
ይኹን እምበር፡ እቲ ውጥን ንኲናት ዩክሬን መፍትሒ ክኸውን ከም ዘይክእል ዝገለጸ መንግስቲ ሩስያ፡ እቲ ሕብረት ተጻባኢ ስጉምቲታት ካብ ምውሳድ ክሕየብ ጸዊዑ። እቲ እገዳ ምስ ዝትግበር ኣብ ልዕሊ ኤውሮጳዊ ሕብረት ከቢድ ቑጠባዊ ስንብራት ዝገድፍ ናይ መልሰ-ግብሪ ስጉምቲ ከም ዝወስድ ድማ ኣጠንቂቑ።
ኤውሮጳዊ ሕብረት ኲናት ዩክሬን ካብ ዝውላዕ ንደሓር ኣብ ልዕሊ ሩስያ ናይ 21 ዙርያታት እገዳ ከም ዘጽደቐ፡ ሩስያ እውን ተመጣጣኒ ምላሽ ከም ዝሃበትሉ ጸብጻባት የረድኡ።
