ግብጺ ሰራዊታ ናብ ሶማል ንምውፋር ትዳሎ ምህላዋ ተገሊጹ
ኣማኸርቲ፡ ኣሰልጠንትን መኮንናትን ዝርከብዎም፤ ኣብ ከባቢ ሴልኬድ ክሰፍሩ ከም ዝኽእሉ ተሓቢሩ
ብመሰረት ዞባውያን ጸብጻባት ጸጥታን ምክልኻልን፡ ወተሃደራውያን ኣማኸርቲ፡ ኣሰልጠንትን መኮንናትን ዝርከብዎም ናይ ቴክኒክ ጉጅለታት ሰራዊት ግብጺ ናብ ሶማል ንምውፋር ምድላዋት ይገብሩ ምህላዎም ተገሊጹ።
እቲ ምውፋር፡ ኣብ ውሽጢ እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ክልተኣዊ ምትሕብባር ጸጥታን ምክልኻልን ክልቲአን ሃገራት፡ ከምኡውን ግብጺ ኣብ ተልእኾ ደገፍን ምርግጋእን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል ትሳተፍ ብምህላዋ ትጽቢት ዝግበረሉ ምዃኑ እቶም ጸብጻባት ይገልጹ።
ግብጺ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰራዊት ከተዋፍር መደብ ከም ዘለዋ ብወግዒ እኳ እንተዘይሓበረት፡ እቶም ሓይልታት ኣብ ማእከል ግዝኣት ሸበሌ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሞቓድሾ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ሴልኬድ ክሰፍሩ ከም ዝኽእሉ ተሓቢሩ።
ወተሃደራዊ ልኡኽ ግብጺ ብ20 መስከረም ናብ ሞቓድሾ ኣትዩ ምስ ሚኒስተር ምክልኻል ሶማል ኣሕመድ ሞኣሊም ፊቂ ተራኺቡ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ እዚ ምውፋር እንተተረጋጊጹ ድሕሪ እቲ ኣብ 2024 ዝተፈረመ ክልተኣዊ ወተሃደራዊ ስምምዕ ዝዓበየ ምስፍሕፋሕ ክኸውን እዩ።
