ከበድቲ ናይ ጽዕነት በረራታት ናብ ኤርትራ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን
ብ4 ጥቅምቲ ናይ ቤላሩስ IL-76 ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ባጽዕ ተራእያ፤ ኢማራት ናብ ኢትዮጵያ ተደጋጋሚ በረራ ትገብር ኣላ

ኤርትራ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዝሒ ዘለዎም ከበድቲ ናይ ጽዕነት በረራታት ይቕበላ ምህላወን ተገሊጹ።
ብ4 ጥቅምቲ፡ ናይ ቤላሩስ መገዲ ኣየር ሩቢስታር ናይ ጽዕነት ነፋሪት ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ባጽዕ ከም ዝተራእየት፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝግበሩ በረራታት ዝከታተል ጸሓፊ ሪች ቴድ ኣብ ናይ ኤክስ ገጹ ገሊጹ።
ብተመሳሳሊ፡ ሰራዊት ሱዳን ካብ 8 ጥቅምቲ ጀሚሩ ሸውዓተ ናይ ጽዕነት ነፈርቲ ካብ ቱርኪ ከም ዝተቐበለ፡ ናይ ግብጽን ሩስያን ነፈርቲ ድማ ናብ ፖርት ሱዳን ተመላሊሰን ከም ዝኣተዋ ሓቢሩ።
ናብ ኢትዮጵያ ድማ፡ ካብ ኣል ዔን መዓርፎ ነፈርቲ ኢማራት ናብ ቦሌ፡ ብ8ን 9ን ጥቅምቲ ተደጋጋሚ በረራታት ከም ዝተኻየዱ ኣረጋጊጹ። ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ብሪጣንያ ያሬድ ተስፋይ ብወገኑ፡ ኢማራት ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጎዳኢ ተራ ትጻወት ከም ዘላ ገሊጹ።
