ባንግላደሽ ምስ ሩስያ ዝኸተመቶ ኒኩሌሳዊ ስምምዕ ካብ ሕዳር ክትግበር እዩ
ናይ ኣስታት 13 ቢልዮን ዶላር ፕሮጀክት፤ ዝበዝሐ ወጻኢታቱ ብልቓሕ ካብ ሩስያ ክኽፈል እዩ

ባንግላደሽ ንሰላማዊ መዓላ ዘገልግል ኒኩሌሳዊ ትካል ንምህናጽ ምስ ሩስያ ዝኸተመቶ ስምምዕ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር ክትግበር ምዃኑ ገሊጻ።
ሩስያን ባንግላደሽን ነዚ ናይ ኣስታት 13 ቢልዮን ዶላር ፕሮጀክት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት ከም ዝኸተምኦ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ዝዓበየ ወጻኢታቱ ብመልክዕ ልቓሕ ካብ ሩስያ ከም ዝኽፈል ተገሊጹ።
ብዘይካዚ ሩስያ ንዋታውን ቅየሳውን ዝርከቦ ተወሳኺ ሓገዝ ክትገብር ምዃና ትሕብር።
እዚ ኣብ ባንግላደሽ ናይ ፈለማ ዝኾነ ኒኩሌሳዊ ትካል ምስ ተዛዘመ ኣስታት 12 ሚእታዊት ጠለባት ኤለክትሪሲቲ እታ ሃገር ክሽፍን ትጽቢት ይግበር። እቲ ፕሮጀክት ኣብ ምምዕባል ዝምድና ክልቲአን ሃገራት እወታዊ ተራ ከም ዝህልዎ ይእመት።
