ዝቕባበ ኣመሪካ ናብ 3.7 ሚእታዊት ከም ዝበጽሐ ተገሊጹ
ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብልዕሊ 1 ሚእታዊት ወሲኹ፤ ጠንቁ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብዚ እዋን መጠን ቑጠባዊ ዝቕባበ 3.7 ሚእታዊት ከም ዝበጽሐ ጸብጻባት ገሊጾም።
እቲ ኣሃዝ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር ከሎ ብልዕሊ 1 ሚእታዊት ከም ዝወሰኸ ዝገለጹ እቶም ጸብጻባት፡ ጠንቁ ናህሪ ዋጋ መሰረታዊ ጠለባት ብሓፈሻ፡ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ድማ ብፍላይ ምዃኑ ኣረዲኦም።
እቲ ቑጠባዊ ክስተት ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ጸቕጢ ክፈጥር ከም ዝኽእል ዝገለጸ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ንምቅላሉ ስጉምቲ ከም ዝወስድ ኣፍሊጡ።
ብደረጃ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ቑጠባዊ ዝቕባበ ከስዕብ ይርአ ከም ዘሎ ክኢላታት ይገልጹ።
