ትራምፕ፡ ብመገዲ ቐጠር ምስ ኢራን ዘይቀጥታዊ ዝርርብ ኣብዚ ሰሙን ክጅምር ይኽእል ኢሉ
ናይ ኢራን እማመ ከምዝነጸጎ ድሕሪ ምግላጹ ሓደ መዓልቲ ጸኒሑ ዝመጸ ዝርርብ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብመገዲ ሽምግልና ቐጠር ምስ ኢራን ዝካየድ ዘይቀጥታዊ ዝርርብ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ክጅምር ከምዝኽእል ንኣሜሪካዊት መርበብ ሓበሬታ ኣክሲዮስ ኣመልኪቱ።
እዚ ዝበለሉ፡ ናይ ኢራን ናይ ሸውዓተ መዓልቲ እማመ ሰላም ከምዝነጸጎ ድሕሪ ምግላጹ ሓደ መዓልቲ ጸኒሑ'ዩ። ኢራናውያን ውዕል ይደልዩ ኣለዉ፡ ኣነ ዝደልዮ ዓይነት ግን ኣይኮነን ብምባል፡ ዘለዎም ዕድል ብግቡእ ኣይተጠቐሙሉን ክብል ገሊጹ።
ትራምፕ ብተወሳኺ፡ ገና ወተሃደራዊ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ኣማራጺ ይሓስብ ከምዘሎ ኣጠንቂቑ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ኣባስ ኣራግቺ ብወገኑ፡ ሃገሩ ሕጂ'ውን ንዝርርብ ድልውቲ ምዃናን ብመንገዲ መንጎኛታት ቐጠር ወግዓዊ መልሲ ኣሜሪካ ትጽበ ከምዘላን ደጊሙ ኣረጋጊጹ።
እዛ ዜና ብእንግሊዝኛ'ውን ኣላ።
Read in English