ትራምፕ፡ ሩስያ ኲናት ዩክሬን ብዘተ ክዓርፍ ድሌት ኣለዋ ኢሉ
ድሕሪ እቲ ብ9 ጥቅምቲ ምስ ፑቲን ዘካየዶ ዝርርብ፤ ንዩክሬን ምርጫ ከተካይድ ጸዊዑ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ሩስያ ኲናት ዩክሬን ብዘተ ክዓርፍ ድሌት ከም ዘለዋ ሓቢሩ። ነዚ ዝገለጸ ድሕሪ እቲ ብ9 ጥቅምቲ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዘካየዶ ናይ ቴለፎን ዝርርብ እዩ።
ትራምፕ፡ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ነቲ ኲናት ብሰላም ንምዕራፍ ቅሩብነት ከም ዘይብሉ ብምውቃስ፡ ዩክሬን ምርጫ ብምክያድ ንዘተ ሰላም ድልው ዝኾነ መራሒ ክትመርጽ ጸዊዑ።
ኣብቲ ዝርርብ፡ ሩስያ ናብ ዕዳጋታት ዓለምን ኣመሪካን ነዳዲ ክትልእኽ ከም እተሰማምዑ ይዝከር። እቲ ስምምዕ ኣብ ምቅላል ሕጽረት ጸዓትን ኣብ ምምዕባል ቁጠባ ሩስያን እወታዊ ተራ ከም ዝህልዎ ይግለጽ፤ ዘለንስኪ ግን ተቓውሞኡ ገሊጹ።
