ሱዳን ቅትለት ዓደንቲ ወርቂ ተጻሪ
ኣል-ቡርሃን፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ግብጺ ንዘጋጠመ ‘ዘሳቒ ፍጻመ’ ዘጻሪ ናይ ዝለዓለ ደረጃ ኮሚተ ኣቚሙ።

መራሒ ሱዳን ዓብደል ፈታህ ኣል-ቡርሃን፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ግብጺ ንዘጋጠመ ‘ዘሳቒ ፍጻመ’ ኢሉ ዝገለጾ ቅትለት ሱዳናውያን ዓደንቲ ወርቂ ምርመራ ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቡ። ነዚ እትዓምም ናይ ዝለዓለ ደረጃ ኮሚተ ኣዳልዩ ምህላዉ ድማ ሓቢሩ።
ካብ ቦታ ዕደና ጸብጻብ ዘቕረባ ማዕከናት ዜና፡ ቀዳም ዕለት 10 ጥቅምቲ ንግሆ ነፈርቲ ኩናት ግብጺ ናብቲ መዕደኒ ቦታ መጺአን ኣብ ልምዳውያን ዓደንቲ ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ከምዘካየዳን፡ ብሰንኩ ድማ ህይወት ልዕሊ 72 ሰባት ከምዝሓለፈን ገሊጸን።
ኣብ ካርቱም ዝመደበሮም ጕጅለ ጠበቓታት፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣየር ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፡ ሻማል ኣል ዋዲ ኣብ ዝብሃል ከባቢ ከም ዘጋጠመ ሓቢሮም።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ባድር ዓብደልዓጢ ምስ ሱዳናዊ መዘናኡ ብ12 ጥቅምቲ ኣብ ዘካየዶ ናይ ቴለፎን ርክብ፡ ኣህጉራዊ ዶብ ክልቴአን ሃገራት ክኽበርን ስግረ-ዶባዊ ዘይሕጋዊ ንግዲ ክግታእን ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ግብጺ ኣንጻር ልምዳውያን ዓደንቲ ስጉምቲ ምውሳዱ እኳ እንተሓበረ፡ ናይዚ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ኣይወሰደን። ነፈርቲ ኩናት ግብጺ ኣብ ወርሒ ሰነ ናይዚ ዓመት ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ኣካይደን ህይወት ልዕሊ 23 ሱዳናውያን ከምዝሓለፈ ጸብጻባት ይሕብሩ።
