ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ሶማልያ ህጹጽ ኣኼባ ኣካዪዱ
ኣብ ምትግባር ቅዋም ዘተኮረ ውሳነ ኣጽዲቑ፤ ኣብ 2027 ፈደራላዊ ምርጫ ክካየድ እዩ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ሶማልያ፡ ቅድሚ እቲ ብቕዋም ተቐሚጡ ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ምብጻሑ፡ ኣብ ክንዲ እቲ ልሙድ ኣኼባኡ ፍሉይ ህጹጽ ኣኼባ ብምጽዋዕ ኣብ ምትግባር ቅዋም ዝተኮረ ውሳነ ኣጽዲቑ።
እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዛ ዓብዲ ባሬ ዝተመርሐ ኣኼባ፡ ኣብ ህንጸት ሃገረ-መንግስቲ፡ ምሕያል ትካላት መንግስትን ምምዕባል ሃገራዊ ምምሕዳራዊ ስርዓታትን ዘተኮረ ነይሩ።
እቲ ቤት ምኽሪ ብሚኒስተር ፍትሕን ቅዋማዊ ጉዳያትን ዝምራሕ ኮሚቴ መዚዙ፤ እቲ ኮሚቴ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ዝዛዘም ቁጽሪ ኣባላት መንግስትን ሓላፍነቶምን ዝውስን ረቂቕ ሕጊ ከዳሉ እዩ። እዚ ሕጊ እታ ሃገር ካብ 1968 ጀሚራ ክህልዋ ዝኸኣለ ቀዳማይ ተመሳሳሊ ሕጊ ምዃኑ ተገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዛ፡ መንግስቲ ብመሰረት ቅዋም ሓደ ሰብ ሓደ ድምጺ ዝኾነ ፈደራላዊ ምርጫ ኣብ 2027 ንምክያድ ይሰርሕ ከም ዘሎ ሓቢሩ። እዚ ካቢነ ሚኒስተራት ንመጻኢ ሓፈሻዊ ምርጫ ዝኸውን ዕለት ብወግዒ ክጠቅስ ከሎ ንፈለማ እዋኑ እዩ።
