ኣልሲሲ፡ ጸጥታ ስዑዲ ምስ ግብጺ ዘይነጻጸል’ዩ
ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝግበር ምግሃስ ልኡላውነት ስዑዲ ዓረብ ከም ዘይፍቀድ ኣጠንቂቑ።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣልሲሲ፡ ሃገሩን ስዑዲ ዓረብን ልቢ ሃገራት ዓረብን ምስልምናን እየን ክብል ብምግላጽ፡ ኣንጻር እታ ንግስነት ወይ ዞባ ወሽመጥ ዓረብ ንዝግበር ዝዀነ መጥቃዕቲ ወይ ጸጥታዊ ስግኣት ብቐጥታ ንሃገራዊ ድሕነት ግብጺ ከም ዝጸልዎ ኣጠንቂቑ።
ኣልሲሲ ነዚ ዝገለጸ፡ ብ15 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ኒው ካይሮ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት መመረቕታ ፖሊስ ኣካዳሚ እዩ። ግብጺ ኣብ ጸጥታ ወሽመጥ ዓረብ ዘለዋ መርገጺ ዲፕሎማስያዊ ምትሕግጋዝ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናይ ሓባር ስትራተጂካዊ ረብሓታት ዘንጸባርቕ ምዃኑ ኣስሚርሉ።
ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብን ቀይሕ ባሕርን ብዝተፈጸመ መጥቃዕትታት ሑቲ ኣመልኪቱ፡ ‘ልዑል ጥንቃቐን ትዕግስትን ገይርና መፍትሒ ኣብ ምንዳይ ኢና ዘለና’ ዝበለ ኣልሲሲ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝዀነ ምግሃስ ልኡላውነት ስዑዲ ዓረብ ወይ ንጸጥታ ዘስግእ ምፍርራሕ ከም ዘይፍቀድ ኣተንቢሁ።
ብዛዕባ ሱዳን ኣመልኪቱ ድማ፡ ምምሕዳሩ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕን ዝነበረ ፍልልያት ንምፍታሕ ንዓመታት ክሰርሕ ከም ዝጸንሐን፡ ጻዕርታት ሽምግልና ግብጺ ግዝያዊ መፍትሒ ኣምጺኡ ምንባሩን ገሊጹ።
