ሕብረት ኤውሮጳ፡ ክልተ ኣባላት ሃገራት መራኽበን ናብ ቀይሕ ባሕሪ ክሰዳ ድሉዋት ምዃነን ገሊጹ
ካጃ ካላስ ስም እተን ሃገራት ከይጠቐሰት፡ መጥቃዕቲ ሑቲ ንተልእኾ ኣስፒደስ ዓጊትዎ ኣሎ ኢላ።

ላዕለዋይ ወኪል ጉዳያት ወጻእን ፖሊሲ ጸጥታን ሕብረት ኤውሮጳን ምክትል ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳን ካጃ ካላስ፡ ክልተ ኣባላት ሃገራት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝፍጸም መጥቃዕቲ ሑቲ ንምምካት መራኽበን ንምልኣኽ ድሉዋት ምዃነን ዘመልክት ሓበሬታ ከምዘሎ ገሊጻ።
ትማሊ ሶኒ 28 መስከረም ኣብ ብራስልስ ድሕሪ ዝተኻየደ ኣኼባ ሚኒስተራት ምክልኻል ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እተን ሃገራት ተወሳኺ መራኽብ ከዳልዋ ከምዝኽእላ ኣብቲ ኣኼባ ሓቢረን ነይረን ክትብል ስም እተን ሃገራት ከይጠቐሰት ተዛሪባ።
እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ መጥቃዕቲ ሑቲ ንተልእኾ እቲ ሕብረት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ — ስርሒት ኣስፒደስ — ምሉእ ብምሉእ ክሰርሕ ከምዘይክእል ገይርዎ ኣሎ ክትብል ተማጒታ።
ሓለዋ ዘድልየን ናይ ንግዲ መራኽብ፡ እቲ ሕብረት ክዕጅበለን ካብ ዝኽእል ወተሃደራውያን መራኽብ ንላዕሊ ብብዝሒ ጠጠው ኢለን ከምዘለዋ'ውን ገሊጻ።
ፍራንስ ተወሳኺ ዕጀባ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዘዋፈረትን ካልኦት ኣባላት ሃገራት ኣበርክቶ ክገብራ ጻውዒት ከምዘቕረበትን ይግለጽ። ዓባይ ብሪጣንያ ድማ ሓገዝ ነፈርቲ ኣቕሪባ ምንባራ ተሓቢሩ።
እዛ ዜና ብእንግሊዝኛ'ውን ኣላ።
Read in English