YouTubeInstagram
ናትና ዜናNatna News
ሓሙስ · 1 ጥቅምቲ 2026
ዜና ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን · ናትና ቲቪ
ዜና ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን · ናትና ቲቪ
ብቐጥታ
ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ናይ ኦባሳንጆ ሓድሽ ጻዕሪ ምምእዛን ደጊፎም፤ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ናብ ቀጥታዊ ዘተ ክምለሱ ጸዊዖምሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል፡ ኣብ ላሊበላ ተዓጊቶም ንዘለዉ ኣስታት 20 እስራኤላውያን ንምውጻእ ይጽዕር ኣሎሰረቕቲ ባሕሪ ሓሙሽተ ኣባላት እታ ዝተጨውየት መርከብ ነዳዲ ሆነር 25 ቀቲሎም፤ ሓይልታት ፑንትላንድ እታ መርከብ ኣድሒኖም 16 ሰረቕቲ ማሪኾምዶቸ ቬለ፡ ኣብ ዕዳጋ ኣላማጣ 11 ሰባት ተቐቲሎም 15 ተወጊኦም ክብሉ ተቐማጦ ገሊጾም ኢሉ፤ እቲ ክሲ በበይኑ ኣይተረጋገጸንMSF፡ ኣብ ሆስፒታላት ቆረምን ኣላማጣን ዝኣተዉ ቁስለኛታት ኲናት ብኣርባዕተ መዓልቲ ካብ 180 ናብ ልዕሊ 420 ዓሪጎም ኢሉቀጥታ፡ ኤርትራ ኣንጻር ደቡብ ኣፍሪቃ — መረጻ ዋንጫ ኣፍሪቃኣብ ቀጽሪ መደበር ኣየር ሓይሊ ቢሾፍቱ ክልተ ናይ ድሮን ነተጒታት ተፈጺሞም፤ ላዕለዋይ በራሪ ካሳሁን ለማ ተቐቲሉኣልጀዚራ፡ ፈደራላዊ ሰራዊት ናብ ውሽጢ ትግራይ ልዕሊ 150 ኪሎሜተር ኣትዩ ንመኾኒ፡ ዋጀናን ዓዲ ጉዶምን ሒዙ ኢሉኣብ መቐለ ቤት ጽሕፈት ትግራይ ቲቪ ብድሮን ተሃሪሙ፤ እቲ ቤት ጽሕፈት ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮዩኑ።ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መጥቃዕትታት ህወሓት ኮኒና፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጠጠው ከምእትብል ገሊጻሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ብጽሒት ማይ ኒል ክዕጸፍ ጠሊቡ፡ ሓደስቲ ሓጽብታት ድማ ነጺጉፈደራላዊ ሰራዊትን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ሰለስተ ግንባር ይዋጉኡ ኣለዉ፤ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣላማጣን ሰቆጣን ሒዙ፡ ሓይልታት ትግራይ ድማ ናብ ዓፋር ሰጊሮምሰራዊት ትግራይ መንገዲ ጁቡቲ ኢትዮጵያ ክዓጽውዎ ቀሪቦም፤ ኣብ ዓፋር ብውሑዱ 150 ሽሕ ተመዛቢሎምኣልጀዚራ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንሰቆጣ ተመሊሱ ሒዙ ኢሉ፤ ናብ ኣላማጣ እውን ይቐርብ ኣሎ ተባሂሉክልተ ካብቶም ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝተጠቕሱ ሸውዓተ ውድባት፡ ኣባላቱ ከምዘይኮኑ ገሊጾምሕብረት ኤውሮጳ ንኢትዮጵያ 61 ሚልዮን ዩሮ ሰብኣዊ ሓገዝ መዲቡ፤ OCHA ምብጻሕ ረድኤት ብኸቢድ ተዓጊቱ ኢሉUCI ንግርማይ፡ ሙሉእብርሃንን ሓላፊ ስፖርት ኤርትራን ብሰንኪ ክዳን ብገንዘብ ቀጺዑሽዱሽተ ሰነተራት ኣሜሪካ ሩብዮ ኣብ ትግራይ ናብ ዘተ ንምምላስ ክዋሳእ ጸዊዖም፤ ውድቀት እገዳ ድማ ነቒፎምኣህጉራዊ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ተዓዘብቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ ኤርላይንስን ዘጠቓልሉ 161 ሰባት ካብ መቐለ ናብ ሰመራ ኣሰጋጊሩሰራዊት ሶማልን ንዝወረደ ፕረዚደንት ደቡብ ምዕራብ ዝድግፉ ሓይልታትን ኣብ ባይዶዋ ተዋጊኦምቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ምምሕያሽ ኣዋጅ ሰራዊት ምክልኻል ኣጽዲቑ ናብ ፓርላማ ኣሕሊፉሱዳንን ግብጽን ክሲ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ነጺገን፤ ሱዳን RSF ካብ መሬት ኢትዮጵያ ደገፍ ረኺቡ ኢላፕረዚደንት ክልል ዓፋር፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ኲናት ብቐጥታ ይሳተፍ ኣሎ ክብል ከሲሱጃፓን ምኽባር ውዕል ፕሪቶርያ ጠሊባ፤ ብሪጣንያ መጥቃዕቲ ሓይልታት ትግራይ ኮኒናኤርትራውያን ትቃዳደምቲ ብሽክለታ ኣብ ውድድር ዓለም ኣብ ሞንትርያል ይወዳደሩ ኣለዉኣብ ትግራይ መስመራት ተለኮሙኒከሽንን ኢንተርነትን ተቛርጹሓላፊ ሰልፊ ዓፋር፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዞባ 2ን 4ን ሰለስተ ከተማታት ሒዘን ኢሉ፤ ኤኤፍፒ ዒረብቲ ከምዝወደቐት ገሊጹሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘናወጸ ኲናትን ብስም ሰብኣዊ ሓገዝ ዝካየድ ኢድ ምእታውን ደው ክብል ጸዊዑሱዳን ትሪብዩን፡ ኣዛዚ ጉጅለ RSF ምስ 50 ተዋጋእቲ ናብ ሰራዊት ሱዳን ተጸምቢሩ ኢሉሰራዊት ሱዳን ኣብ ሰሜን ኮርዶፋን ድሮን RSF ኣውዲቑ፤ ነፈርቲ ውግእ ናብ ኒያላ ተመሊሰን ደብዲበንኣብ ቀጽሪ መዓርፎ ነፈርቲ ኮምቦልቻ ነተጒ ተሰሚዑ፡ በረራታት ደው ኢሎምሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ብልቦናን ዓቕልን ንምላሽ ኣለና ኢሉምምሕዳር ዳርፉር መሕለፊ ዶብ ቲና ምስ ቻድ ንሰብኣዊ ሓገዝ ደጊሙ ከፊቱዎበዓል መስቀል ብሃገር ደረጃ ተባዒሉ፤ ኣቡነ ባስልዮስ ኣብ ኣስመራ ጸሎት መሪሖምወሰኽ ዋጋ ናብራ ኣብ ጅቡቲ ንኢትዮጵያውያን መራሕቲ ከበድቲ መካይን ኣጸጊሙፓትርያርክ ኣቡነ ማትያስ ኣብ ደመራ መስቀል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰላም ክህሉ ጸዊዑፕረዚደንት ታየ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሕቶ መእተዊ ባሕርን ምዕራይ ባይቶ ጸጥታን ኣልዒሉላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ሓሙሽተ ኣብያተ ትምህርቲ ተሃሪሞም ኢሉ፤ ውጥረት ክወርድ ጸዊዑሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 400 ሱዳናውያን ናብ ቻድ ይሳገሩ ኣለዉ ኢሉኣብ ኤልዖቤድ ማእከል መዕቆቢ ተፈናቐልቲ ብድሮን ተሃሪሙ፤ ክልተ ሰባት ሞይቶምሱዕዲ ዓረብ ናይ ረድኤት መኪናኣ ብድሮን ምጥቃዓ ናብ ሕቡራት ሃገራት ክሲ ኣቕሪባኤርትራ ኣብ ሞንትርያል ኣብ ዝተኻየደ 195 ጉባኤ UCI ተሳትፋኣብ ዓዲ ሃዎሻ ናይ 180,000 ሜተር ኪዩብ ሓድሽ ዲጋ ተመሪቑጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ሱዳን፡ ዋዕላ ገበን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤማራት ምክያዱ ነጺጋትራምፕ ናይ ኢራን ናይ ሸውዓተ መዓልቲ እማመ ነጺጉ፤ ኢራን ድሕር ኣይንብልን ኢላዑስማን ሳልሕ ምስ ሚኒስተራት ኣልጀርያ፡ ቡርኪናፋሶን ግብጽን ብዛዕባ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ተዘራሪቡኣልቡርሃን ቪዛ ከምዘየድልዮን፡ ናይ ኣሜሪካ እማመ ቶኩስን ነጺጉኢትዮጵያውያን ኣብ ማራቶን በርሊን ተዓዊቶም፤ ኣሰፋ ናይ ዓለም ሪኮርድ ብ1:08 ኣምሊጣታኣብ ማእከላይ ሱዳን ዓብዪ መኽዘን ነዳዲ ብድሮን ተሃሪሙሕቡራት ሃገራት፡ ኢትዮጵያ ናብ ምሉእ ውግእ ከይትምለስ ኣጠንቂቑሱዕዲ ዓረብ፡ ሕቡራት ሃገራት ሆርሙዝ፡ ባብ ኤል-መንደብን ቀይሕ ባሕርን ክሕሉ ጸዊዓሱዳን ትሪብዩን፡ RSF ካብ ነዳዲ ደቡብ ሱዳን ብበርሚል 4 ዶላር ይወስድ ኣሎ ኢሉኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ክልተ ተፈላለየ ጃምላዊ ተኹሲ እንተወሓደ 27 ሰባት ተቐትሉሓካይም ሱዳን፡ RSF ኣብ ሶዳሪ ዝርከብ ሆስፒታል ዘሚቱን ኣዕንዩን ኢሎምኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ መእተዊ ባሕሪ ኣልዒላኤርትራ ክሲ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ነጺጋቶትራምፕ ናይ ኢራን መደብ መጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ነጺጉሰራዊት ሱዳን ስትራተጂካዊት ከተማ ሶደሪ ተቖጻጺሩፋኖ፡ መካይንን ኣጽዋርን ሰራዊት ማረኽና ኢሉኣብ ብሪጣንያ ጥቓ መደበር ኣየር ብሓይልታት ኣሜሪካ ዝጥቀመሉ ሰባት ተኣሲሮምወዘማ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታ ትግራይ ተታሒዞም ኢሉውግእ ናብ ኣፋር ተዘርጊሑ፡ ኣብ ኣበላ ግጥም ኣጋጢሙፓትርያርክ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ኣብ በዓል መስቀል ሰላምን ዕርቅን ጸዊዑኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝወደቐት ነፋሪት 17 ሰባት ቀቲላቬኔዝዌላ 39 ፖለቲካዊ እሱራት ፈንያምውሳኽ ዋጋታት ጅቡቲ ንኢትዮጵያውያን ኣውቲስታታት ከበድቲ መካይን ጸቒጡሕብረት ኤውሮጳ ኣስታት 710 ሚልዮን ዩሮ ሓድሽ ደገፍ ኣወጊኑኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ቤት መስተ ዝተፈጸመ ተኹሲ 17 ሰባት ቀቲሉሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ጀርመንን ሩስያን ድሕሪ 2022 ንፈለማ ግዜ ተራኺቦምሂዩማን ራይትስ ዎች፡ መጥቃዕቲ ኣየር መቐለ ከም ኲናታዊ ገበን ክምርመር ኣለዎመንእሰያት ትግራይ ብፍርሒ ናይ ግዲ ዕስክርና ይስደዱ ኣለዉኢንተርነትን መስመር ተለፎንን ኣብ ትግራይ ተቛሪጹ
← ተመለስ
ኣህጉራዊ ዜና

ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ካይሮ፤ ግብጺ ኣብ ልምዓት ኤርትራ ኣበርክቶ ክትገብር ምዃና ገሊጻ

ብሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወትን ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትሪን ኣቶ ነስረዲን በኸትን ዝቘመ ልኡኽ፡ ምስ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ግብጺ ዶክተር ባድር ዓብደላቲ ተራኺቡ።

Egyptian Ministry of Foreign Affairs

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ምስ ሰብ-ስልጣን ሱዑድያ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናታትን ናይ ወፍሪ ስምምዓትን ዘተ ዘካየደ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሎሚ ናብ ግብጺ ምእታዉ ተገሊጹ።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ግብጺ ዶክተር ባድር ዓብደላቲ፡ ምስቲ ብሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወትን ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትሪን ኣቶ ነስረዲን በኸትን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ምርኻቡ፡ ግብጺ ኣብ ሃገራዊ ናይ ልምዓት ጻዕርታት መንግስቲ ኤርትራ ኣበርክቶ ንምግባር፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ጽላታት ቁጠባ፡ ወፍሪ፡ ንግዲ ከምኡ'ውን ኢንዱስትሪ ምስ ኤርትራ ስትራተጂካዊ ዝምድናታት ንምዕማቕ ዘለዋ ተወፋይነት ከምዝገለጸ ጸብጻባት እታ ሃገር ኣረጋጊጸን።

ግብጺ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ምሉእ ደገፍ ከምዘለዋ ንልኡኽ ኤርትራ ደጊሙ ዘረጋገጸ ሚኒስተር ዓብደላቲ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምልውዋጥ ብዝለዓለ ደረጃ ኣብ ምህናጽን ምውህሃድን፡ ንግድን ሓባራዊ ወፍርን ንምትብባዕን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ግብጺ ኣብ ቀዳምነት ዝወሃቦም ዓውድታት ቴክኒካዊ ሓገዝን ህንጸት ዓቕምን ንምሃብ ድልውቲ ምዃና ዝገለጸ እቲ ግብጻዊ ሚኒስተር፡ ናይ ብሕቲ ኩባንያታት ግብጺ ኣብ ዕዳጋታት ኤርትራ ዝያዳ ተሳትፎ ንኽገብራን ከውፍራን ኣተባቢዑ።

ኣብቲ ኣብ ከተማ ካይሮ ዝተገብረ ዘተ፡ ክልቲአን ሃገራት ብቐደም ተኸተል ኣብ ኣስመራን ካይሮን በብእዋኑ ዘካይዳኦ ናይ ምምኽኻር መድረኻት ዘጠቓለለ፡ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያትን ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ዞባዊ ጉዳያትን፡ ብፍላይ ድማ ኣብ እዋናዊ ምዕባለታት ሱዳን፡ ሶማል ከምኡ'ውን ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ኣመልኪቶም ዓሚቚ ዘተ ከምዘካየዱ ጸብጻባት እታ ሃገር ይሕብሩ።

ክልቲኦም ወገናት፡ ቀጻሊ ሓያል ርክባት ኤርትራን ግብጽን ሓደ ካብ ቀንዲ ዓንድታት ዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ክልተኣዊ ምትሕብባር ኣብ ጽላታት ቁጠባ፡ ፖለቲካ፡ ንግዲ፡ ሕርሻ፡ ጸዓትን ጥዕናን ዝያዳ ንምዕባይ ከምዝተሰማምዑ እውን ተገሊጹ።

ዑደት ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ግብጺ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ተፈጢሩ ዘሎ ሓደስቲ ምዕባለታት ዞባናን ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ሰላምን ጸጥታን ንምርግጋጽን፡ ኤርትራ ምስ ግብጺ ዕሙቕ ዝበለን ኣድማዕን ምትሕብባር ተካይድ ምህላዋ ዘመልክት እዩ።

እዛ ዜና ብእንግሊዝኛ'ውን ኣላ።

Read in English

Comments

Natna News expects respect in the comments.1500