ዶይቸ ቬለ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ መሬት ኤርትራ ኣይኣተወን ኢሉ
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ደባይ ሲማ ተታሒዛ ዝብል ሓበሬታ ሓሶት ምዃኑ ኣረጋጊጹ

ናይ ጀርመን ማዕከን ዜና ዶይቸ ቬለ፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሰፊሑ ዝተዘርግሐ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ዶብ ኤርትራ ኣትዩ ዝብል ሓበሬታ ሓሶት ምዃኑ ኣቃሊዑ።
እቲ ጸብጻብ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኪኖ ከተማ ቡሬ ሓሊፉ ደባይ ሲማ ዝተባህለት ኣብ መሬት ኤርትራ እትርከብ ዓዲ ተቖጻጺሩ ይብል ነይሩ።
ዶይቸ ቬለ ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ከተማታት ኤሊዳርን ቡሬን ሓሊፉ ናብ መሬት ኤርትራ ከም ዘይኣተወ ኣረጋጊጹ።
እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ ባይታ ዘየለ ወተሃደራዊ ምዕባለ ኣምሲሎም ዘቕርቡ ሓለፍትን ማዕከናት ዜናን ኣብ ዝበዝሑሉ እዋን ዝመጸ እዩ።
