ቻይናን ሰሜን ኮርያን ዘራኽብ ዘመናዊ ድንድል ተኸፊቱ
ትግባረኡ ተደናጒዩ ዝጸንሐ ድንድል፡ ቑጠባ ክልቲአን ሃገራትን ርክባት ህዝብታተንን ከስፍሕ እዩ ተባሂሉ።

ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን ሰሜን ኮርያን፡ ከም ኣካል እቲ ዝምድናአን ንምድንፋዕ ዘካይድኦ ዘለዋ ንጥፈታት፡ ዘራኽበን ዘመናዊ ድንድል ከፊተን።
እዚ ትግባረኡ ተደናጒዩ ዝጸንሐ ድንድል፡ ኣብ ርእሲ እቲ ቑጠባ ክልቲአን ሃገራት ንምምዕባል ዝህልዎ ተራ፡ ንርክባት ህዝብታተን ከም ዘስፍሖ ተገሊጹ።
ብመሬትን ባሕርን ዝዳወባ ቻይናን ሰሜን ኮርያን፡ ስሩዕ ናይ ኣየርን ባቡርን ምንቅስቓሳት ከም ዘለወን ይፍለጥ።
ቑጠባዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ወተሃደራውን ጸጥታውን ዝምድና ክልቲአን ሃገራት እናደንፍዐ ይመጽእ ከም ዘሎ ጸብጻባት ይጠቕሱ።
