ቻይና ኣብ ፍርያት ኤለክትሪክ መካይን ቑጠባዊ ዕንቅፋት ኣጋጢምዋ
ኤውሮጳዊ ሕብረት ቁጽሪ ናይተን ናብ ዕዳጋታቱ ዝልኣኻ መካይን ክውረድ ጠሊቡ።

ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣጋጢምዋ ብዘሎ ንግዳዊ ዘይምቅዳው ኣብ ፍርያት ብኤለክትሪክ ዝንቀሳቐሳ ተሽከርከርቲ ቑጠባዊ ዕንቅፋት ከም ዘጋጠማ ገሊጻ።
እዚ ዝተገልጸ፡ እቲ ሕብረት ቻይና ንቑጽሪ ናይተን ናብ ዕዳጋታቱ እትልእኸን ብኤለክትሪክ ዝንቀሳቐሳ ተሽከርከርቲ ክትድርቶ ድሕሪ ምጽውዑ እዩ።
ቻይና ኣብዚ ጽላት 7.5 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ከም ዘፍረየት ገሊጻ ኣላ። ኤውሮጳዊ ሕብረት ድማ ቻይና ንመጠን ሰደድ ናይተን ተሽከርከርቲ ናብ 15 ሚእታዊት ክትድርቶ ጠሊቡ ኣሎ።
እቲ ጻውዒት ንንግዳዊ ዝምድና ክልተኦም ወገናት ብኣሉታ ዝጸሉ ምዃኑ ዝገለጸ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ሃገሩ ከም እትቃወሞ ብኣግኡ ሓቢሩ።
ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ 2025 ምስ ቻይና ኣብ ዘካየዶ ንግዳዊ ምልውዋጥ ልዕሊ 410 ቢልዮን ዶላር ንግዳዊ ሕጽረት ከም ዘጋጠሞ ይገልጽ። ክልተኦም ወገናት ኣብ 2025 ኣስታት 800 ቢልዮን ዶላር ንግዳዊ ምልውዋጥ ከም ዘካየዱ ይግለጽ።
