ኲናትን ግጭታትን ኣብ ኣከባቢ ኣሰካፊ ዕንወት የውርዱ ከምዘለዉ ተገሊጹ
ኲናት ዩክረይን ልዕሊ 310 ሚልዮን ቶን ካርቦንዳይኦክሳይድ ናብ ኣየር ኣጸንቢሩ።

ኲናትን ግጭታትን ኩኖ ሰባውን ንዋታውን ክሳራታቱ፡ ኣብ ኣከባቢ ኣሰካፊ ዕንወት የውርድ ከምዘሎ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ብመሰረት እቶም ጸብጻባት፡ ኣብ 2025 ከምኡ ኣብ 2026 ልዕሊ 5 ሚእታዊት ናይቲ ብደረጃ ዓለም ዝተኸስተ መጠን ትፋእ በከልቲ ጋዛት ብኲናትን ግጭትን ዝሰዓበ ምንባሩ ተፈሊጡ።
ካብ 2022 ብዝቕጽል ዘሎ ኲናት ዩክረይን ልዕሊ 310 ሚልዮን ቶን ካርቦንዳይኦክሳይድ ናብ ኣየር ከም እተጸንበረን፡ እቲ ኲናት ብዘስዓቦ ባርዕ ልዕሊ 100 ሽሕ ሄክታር ጫካ ከም እተሃሞኸን ይግለጽ።
ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ብዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍርታት ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ጥራይ ኣስታት 400 ሚልዮን ኩንታል በከልቲ ጋዛት ናብ ኣየር ከም እተሓወሰ ክኢላታት ኣከባቢ ይጠቕሱ።
ተተኰስቲ ባእታታት ኣብ ማይን መሬትን ዘኸትልዎ ዘለዉ ሓደገኛ ብከላ፡ ዓመታዊ እናወሰኸ ይመጽእ ከም ዘሎ እውን እቶም ክኢላታት ይገልጹ።
