ኣሜሪካ ኣብ ተሽከርከርቲ ረድኤት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ኮኒና
ዋሽንግተን፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ መካይን ረድኤት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብህጹጽ ክምርመር ጻውዒት ኣቕሪባ።

መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ምግዕዓዝ ዝነበረ ናይ ትካል ረድኤት ካቶሊካዊ ቆንስል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት፡ ብትሪ ከምዝኹንን ኣፍሊጡ።
ትካል ረድኤት ወጻኢ ኣሜሪካን ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣፍሪቃን ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ረድኤትን ሓገዝ ዘጓዓዕዛ መካይንን ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ፍጹም ተቐባልነት ከምዘይብሉ ገሊጾም።
ዝምልከቶም ኣካላት ብቕልጡፍ ዕሙቕ ዝበለ መርመራ ከካይዱን ውጽኢቱ ንህዝቢ ብወግዒ ክገልጹን፡ እቲ ፍጻመ ከይድገም ስጉምቲ ክወስዱን ጻውዒት ቀሪቡ።
ብተወሳኺ፡ ንዝተጸገሙ ሰባት ብዘይ ዕንቅፋት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ መራኸቢ መስመራት ክፉታት ኮይኖም ክቕጽሉ ኣለዎም ክብል ኣተሓሳሲቡ።
እዛ ዜና ብእንግሊዝኛ'ውን ኣላ።
ብእንግሊዝኛ ኣንብብ