ኣብ ሱዳን ብድሮን ኣብ ልዕሊ ሲቪል ዜጋታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ገኒኑ
ኣብ ኣቡ ሻንዲ 41 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ኣብ ኣልደባብ ድማ ልዕሊ 80 ሰባት ሞይቶም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ግዝኣት ሰማያዊ ኒል ሱዳን፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ኢትዮጵያ ኣቡ ሻንዲ ኣብ ዝተባህለ ቦታ፡ ካብ ኲናት ሃዲሞም መጽለሊ ኣብ ዝደለዩ ሰላማውያን ሰባት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት 41 በጺሑ።
ብጉጅለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ህጹጽ እዋን ጠበቓታት ዝተዋህበ ሓበሬታ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ሸሞንተ ህጻናት ከምዝነበርዎም ይገልጽ።
ብሰንበት ድማ ኣብ ግዝኣት ምዕራብ ኮርዶፋን ኣብ እትርከብ ከተማ ኣልደባብ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ብውሑዱ 80 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ። 47 ዝቖሰሉ ናብ ኣልሙጅላድ ከምዝተወስዱን ኣስታት 30 ካብኣቶም ብህይወት ክጸንሑ ከምዘይከኣሉን ናይ ሕክምና ምንጪ ሓቢሩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ መላእ ሱዳን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቀታሊ መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝኹንኖ ገሊጹ። ወሃቢ ቃል ስቴፋን ጁዳሪክ፡ ኣብ ምዕራብ ዳርፉር፡ ደቡብን ሰሜንን ኮርዶፋን 10 ህጻናት ዝርከብዎም ብውሑዱ 19 ሰባት ከምዝሞቱ ጠቒሱ።
ሰብኣዊ ሓገዝ ዝህቡ ትካላት ግን፡ ምላሽ ማሕበረሰብ ዓለም ካብ ተራ መግለጺታት ንላዕሊ ከምዘይሓልፍ ይነቕፉ ኣለዉ።

