ኣብ ፈረንሳ ብሰንኪ ተቓውሞ ተማሃሮ ብኣማኢት ዝቑጸራ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን
ተማሃሮ ሕጽረት መምህራን፡ ኣብ ክፍልታት ልዕሊ ዓቐን ተማሃሮን ዝበለያ ህንጻታትን ይቃወሙ ኣለዉ

ኣብ ፈረንሳ ተማሃሮ ሕጽረት መምህራን፡ ኣብ ክፍልታት ልዕሊ ዓቐን ተማሃሮ ምህላውን ዝበለያ ህንጻታት ኣብያተ ትምህርትን ብምቅዋም ናብ ጎደናታት ወጺኦም ኣለዉ። በቲ ቀጻሊ ተቓውሞ ድማ ብኣማኢት ዝቑጸራ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን።
እቲ ተቓውሞ ኣብ ፈለማ እዚ ሰሙን ኣብ ፓሪስ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ናብ ካልኦት ከተማታት እታ ሃገር ተዘርጊሑ።
ሚኒስተር ትምህርቲ እታ ሃገር፡ 65 ኣባላት ኣብያተ ትምህርትን 40 መምህራንን ከምዝተሃስዩን ብሰሉስ ጥራይ 1,949 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ንማዕከናት ዜና ገሊጹ።
ሚኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር ብወገኑ፡ ኩሎም እቶም ዝተኣስሩ ተማሃሮ ምዃኖም ርግጸኛታት ከምዘይኮኑን፡ ኣውቶቡሳት ዕላማ ምግባርን ኣብያተ ትምህርቲ ብሓዊ ምቅጻልን ዝኣመሰሉ ተግባራት እቲ ኩነታት ካብ ተቓውሞ ንላዕሊ ከምዝሓለፈ ዘርኢ ምዃኑን ገሊጹ።
ክሳብ ሕጂ ኣስታት 100 ኣብያተ ትምህርቲ ጉድኣት ከምዝወረደን ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ይገልጻ።
እዛ ዜና ብእንግሊዝኛ'ውን ኣላ።
Read in English