ሶማሊላንድ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ምህላዋ ኣረጋጊጻ
ፕረዝደንት ኢሮ፡ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ጣልቃ ምእታው ደው ከብላ ጸዊዑ።

ፕረዝደንት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣብዲራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ፡ ምምሕዳሩ ኣብ ዘጋጥም ጸጥታዊ እንተታት ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ደው ክብል ምዃኑ ሓቢሩ።
ኢሮ ብዝብል ቅጽል ስም ዝጽዋዕ እቲ ፕረዝደንት ኣብ ሃርጌሳ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ብምዃን ኣብ ዘመሓላለፎ ሓበሬታ፡ ሰላምን ርግኣትን ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ።
ስም ዘይጠቐሰን ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየደኦ ጸቕጥታት ደው ከብላ ኣድላዪ ምዃኑ እውን ተዛሪቡ። ነዚ ሪኢቶ ዝሃበ ኣብ ዋሽንግቶን ከካይዶ ዝቐነየ ዑደት ዛዚሙ ናብ ሃርጌሳ ምስ ተመልሰ እዩ።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ብርክት ዝበለ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ክካየድ ምቕናዩ ይፍለጥ። ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሶማሊላንድ ምስ ሰበ-ስልጣን ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ዘተኮረ ርክብ ምክያዱ ተሓቢሩ።
ሶማሊላንድ ከም ሃገር ተቐቢላ ወግዓዊ ኤምባሲ ዝኸፈተት እንኮ ሃገር እስራኤል ምዃና ይፍለጥ።
