ስዑዲ ዓረብ፡ ቱርክን ፓኪስታንን ህጹጽ ወተሃደራዊ ኣኼባ ክገብራ
እቲ ኣኼባ፣ ኣካል ናይቲ ብሰለስቲአን ሃገራት ዝተኸተመ ሓባራዊ ስምምዕ ምክልኻል መካ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ የመን ብዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስዒቡ፣ ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ስታፍ ስዑዲ ዓረብ፡ ቱርክን ፓኪስታንን ህጹጽ ወተሃደራዊ ኣኼባ ንምክያድ ይሸባሸቡ ከምዘለዉ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ኣፍሊጡ።
እዚ ህጹጽ ወተሃደራዊ ኣኼባ፣ ኣካል ናይቲ ብሰለስቲአን ሃገራት ዝተኸተመ ሓባራዊ ስምምዕ ምክልኻል መካ ምዃኑ ተገሊጹ።
እዚ ስምምዕ፣ ኣብ ልዕሊ ዝኾነት ኣባል ሃገር እቲ ሓድሽ ኪዳን ንዝፍጸም መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኩለን ኣባላት ከም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ይቑጸር ዝብል ዓንቀጽ ዘጠቓለለ ብምዃኑ፣ መጥቃዕቲ ሑቲ ካብ ሰለስቲአን ሃገራት ሓባራዊ ወተሃደራዊ ግብረ መልሲ ንምክያድ ክደፍእ ከምዝኽእል ይግለጽ።
ብሓሙስ 24 መስከረም ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቀዋሚ ልኡኽ ስዑዲ ዓረብ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ልኡል ፋይሳል ቢን ፋርሃን ኣል ስዑድ፡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፓኪስታንን መሓመድ ኢስቕ ዳርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ሃካን ፊዳንን ላዕለዋይ ደረጃ ዘለዎ ስሉሳዊ ኣኼባ ኣካዪዶም።
እቶም ሚኒስተራት፣ ንከተማ መካን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንዝርከቡ ሲቪላውን ቁጠባውን ትካላትን ዕላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ብትሪ ኮኒኖም፣ እታ ሃገር ብመሰረት ዓንቀጽ 51 ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ልኡላውነታን ድሕንነታን ክትከላኸል ምሉእ መሰል ከምዘለዋ ኣረጋጊጾም።
እዛ ዜና ብእንግሊዝኛ'ውን ኣላ።
ብእንግሊዝኛ ኣንብብ
