ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሩስያን ኢራንን ኣብ ጣህራን ተራኺቦም
ትግባረ እቲ ዓሚ ዝተበጽሐ ስትራተጂካዊ ስምምዕ ንምቅልጣፍ ተዘራሪቦም።

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሩስያን ኢራንን፡ ብ19 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ጣህራን ናይ ምምኽኻር ርክብ ኣካዪዶም።
እቲ ዝርርብ፡ ትግባረ ናይቲ ዓሚ ዝተበጽሐ ስትራተጂካዊ ስምምዕ ክልቲአን ሃገራት ምቅልጣፍ ከምዘጠቓልል ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲንን ፕረዚደንት መስዑድ ፐዘሽክያንን ኣብ ወርሒ ጥሪ 2025 ንዝመጽእ 20 ዓመታት ዝቕጽል ስትራተጂካዊ ስምምዕ ከምዝኸተሙሉ ዝዝከር እዩ።
ሰርጌ ላቭሮቭን ዓባስ ዓራቕጅን ኣብ ዓለማውን ዞባውን ጉዳያት፡ ብቐንዱ ድማ ኣብ ቅልውላው ማእከላይ ምብራቕ ተዘራሪቦም።
ክልቲአን ሃገራት፡ ቅልውላው ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ብዘተ ጥራይ ክዓርፍ ከምዝኽእል ኣነጺረን። እቶም ሚኒስተራት ኣብዚ ዓመት ኣርባዕተ ግዜ ብኣካልን 14 ግዜ ብቴሌፎንን ከምእተመያየጡ ጸብጻባት የረድኡ።

