ቀጠር ኣብ ሽምግልና ንጥፍቲ ኮይና ከምእትቕጽል ኣረጋጊጻ፤ ተመኩሮ ኤርትራን ጅቡትን ከም ኣብነት ጠቒሳ
ቀዳማይ ሚኒስተር ቀጠር ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብዱራሕማን ኣል ታኒ፡ ሽምግልና ቀንዲ ኣንፈት ፖሊሲ ወጻኢ ሃገሩ ምዃኑ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ቀጠር ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብዱራሕማን ቢን ጃሲም ኣል ታኒ፡ ቀጠር ኣብ ሽምግልና ንጥፍቲ ኮይና ክትቅጽል ምዃና ኣረጋጊጹ።
«እቲ መሪሕነት ስቕ ኢልና ክንጸንሕ ከምዘይንኽእል ወሲኑ ኣሎ፤ ንዞባናን ንሃገርናን ዝጠቅም ንምግባር ዝከኣለና ንፍትን» ክብል ብ30 መስከረም ኣብ ዝተመሓላለፈ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ።
ኣብቲ ቃለ መጠይቕ፡ ቀጠር ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘካየደቶም ሽምግልናታት ጠቒሱ። ካብኦም ናይ ኤርትራን ጅቡትን ጉዳይ፡ ሱዳን፡ ኣፍጋኒስታንን ኣመሪካን፡ ጋዛ፡ ከምኡውን ኢራንን ኣመሪካን ይርከብዎም።
ቀጠር ኣብ 2010 ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ናይ ተኹሲ ደው ምባል ስምምዕ ከምዘምጽአት፡ ኣብ 2011 ድማ ከምዝሓደሰቶ ኣብ መርበብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር ተመዝጊቡ ይርከብ።
«ነዛ ክእለት ኣብ ትካላትናን ህዝብናን ኣብ ብዙሓት ግንባራት ኣማዕቢልናያ ኢና፤ ሎሚ ድማ ቀንዲ ኣንፈት ፖሊሲ ወጻኢ ቀጠር ኮይና ኣላ» ኢሉ።
እዛ ዜና ብእንግሊዝኛ'ውን ኣላ።
Read in English