ሕብረት ኤውሮጳ፡ እቲ ወጥሪ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰፊሕ ግጭት ከኸትል ይኽእል ኢሉ ኣጠንቂቑ
ናይ ደገ ተዋሳእቲ ካብ ምትእትታው ክቑጠቡን ኩሉ ግንባራት ክዝሕልን ጸዊዑ።

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዛይድ ዘሎ ግጭትን ብፍላይ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝረአ ዘሎ ወጥርን፡ ሰፊሕ ዞባዊ ግጭት ከበግስ ሓደጋ ከምዘለዎ ብ5 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣጠንቂቑ።
እዚ ድማ ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ሰላምን ምርግጋእን ከቢድ ሳዕቤን ከኸትል ከምዝኽእል ገሊጹ።
እቲ ሕብረት፡ ኣብ ኩሉ ግንባራት ህጹጽ ምዝሓል ክግበርን እቶም ተዋሳእቲ ወጥሪ ካብ ዘዛይድ ተግባርን ዘረባን ክቑጠቡን ጸዊዑ፤ ኣብ ስምምዕ ቀዋሚ ምቁራጽ ተኩሲ ፕሪቶርያ ዝተሳተፉ ወገናት ድማ ኣብ ትሕቲ ማዕቀፍ ሕብረት ኣፍሪቃ ምሉእ ትግባረኡ ዳግማይ ቃል ክኣትዉ ይግባእ ኢሉ።
ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ክኽበር፡ ሲቪል ዜጋታት ክሕለዉን ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይ መሰናኽል ክበጽሕን ዝጠለበ እቲ ሕብረት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ኩለን ሃገራት ክኽበርን ናይ ደገ ተዋሳእቲ ካብ ምትእትታው ክቑጠቡን ኣስሚሩሉ።
