ግብጺ ፍሉያት ኮማንዶ ሰራዊት ሶማል ኣመሪቓ
እቲ ስልጠና ስርሒታት ኮማንዶ፡ ወፍሪ ጸረ-ሽበራ፡ ናይ ከተማ ስርሒታትን ካብ ነፈርቲ ብምዝላል ዝግበር ንጥፈታትን ዘጠቓለለ ነይሩ።

ኣብ ግብጽን ሶማልን ብዝገበርኦ ስምምዕ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ስዒቡ፣ ኣብ ካይሮ ስልጠና ክከታተሉ ዝጸንሑ ኣባላት ፍሉያት ኮማንዶ ሰራዊት ሶማል ከምዝተመረቑ ጸብጻባት እታ ሃገር ገሊጾም።
መንግስቲ ግብጺ ንሃገራዊ ሰራዊት ሶማል ንምድልዳል ብዝብል ዕላማ ነዞም ኮማንዶ ከምዘሰልጠኖም ዝግለጽ ኮይኑ፣ እቲ ስልጠና ስርሒታት ኮማንዶ፡ ወፍሪ ጸረ-ሽበራ፡ ናይ ከተማ ስርሒታትን ከምኡውን ካብ ነፈርቲ ብምዝላል ዝግበር ወትሃደራዊ ናይ ፓራሹት ንጥፈታትን ዘጠቓለለ ምንባሩ ማዕከናት ዜና ግብጺ ይገልጻ።
ኣዛዚ ፍሉያት ሃገራዊ ሰራዊት ሶማል ብርጋዴር ጀነራል ኣዳን መሓመድ ዑመር፣ ብሓሙስ 24 መስከረም ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት መመረቕታ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ እቶም ኣባላት ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝዋፈሩሉ እዋን ሰኒቖሞ ዘለዉ ፍሉይ ክእለት ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ኣተሓሳሲቡ።
ሰበስልጣን ግብጺ፣ ናይዚ ስልጠና ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ዝግበር ወፍሪ ሓላፍነት ዝወስዱን ብቑዓትን ሓይልታት ጸጥታ ሶማል ንምህናጽ ምዃኑ ገሊጾም።
እዚ ፍጻሜ፣ ግብጺ ብሰንኪ ዓቢ ዲጋ ህዳሴ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ሓያል ዲፕሎማስያዊ ምክርኻር ኣትያ ኣብ ዘላትሉን፣ ኣብ ሶማል ሰፊሕ ኣበርክቶ ንምግባር ትሰርሓሉ ኣብ ዘላ እዋንን ብምምጽኡ ፍሉይ ትርጉም ይወሃቦ።
እዛ ዜና ብእንግሊዝኛ'ውን ኣላ።
ብእንግሊዝኛ ኣንብብ
