ቻይና ንኩነታት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣርባዕተ መትከላት ኣቕሪባ
ፕረዚደንት ሺ ጂንፒንግ፡ መሪሕነት ኣፍሪቃ፡ ልኡላውነት፡ ደው ምባል ተጻብኦን ሱር ጠንቂ ምልላይን ጠቒሱ።

ወሃቢት ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ማኦ ኒንግ፡ ብ19 ጥቅምቲ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ሺ ጂንፒንግ ኣብ ኣፍሪቃ ንዘለዉ ውዑያት ጉዳያት ንምፍታሕ ኣርባዕተ መትከላት ከምዘቕረበ ገሊጻ።
እቲ ቀዳማይ መትከል ንመሪሕነት ኣፍሪቃ ቀዳምነት ምሃብ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኣፍሪቃ ከም ሓቀኛ ጎይታ ኣህጉሩ መጠን ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ማእከላይ ተራ ክጻወት ከምዘለዎ ይገልጽ።
ካልኣይ፡ ኩሎም ወገናት ንዕላማታትን መትከላትን ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ከምኡ እውን ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገራት ከኽብሩ ከምዘለዎም ዝብል እዩ።
ሳልሳይ፡ ተጻብኦታት ደው ምባልን ሰላም ምህናጽን ኮይኑ፡ ፈላሊኻ ዝግበር እገዳን ኲናትን መፍትሒ ከምዘይኮነ የነጽር።
ራብዓይ ድማ ምልክታትን ሱር ጠንቂ ናይቲ ጸገምን ምልላይን ምርዳእን ዝብል እዩ። እዞም መትከላት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘለዉ ጸገማት እውን ኣንፈት ከምዝህቡ ተገሊጹ።

