ወጻኢ ንግዲ ቻይና ብ19 ሚእታዊት ከም ዝዓበየ ተገሊጹ
ካብ ጥሪ ክሳብ መስከረም ምስ ልዕሊ 110 ሃገራት ኣስታት 6 ትሪልዮን ዶላር ንግዲ ተኻዪዱ።

ኣብ ሳልሳይ ርባዕ ናይ 2026፡ መጠን ናይ ወጻኢ ንግዲ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ምስ ናይ ቅድሚኡ ዓመት ተመሳሳሊ ኣዋርሕ ክነጻጸር ከሎ ብኣስታት 19 ሚእታዊት ከም ዝዓበየ ተገሊጹ።
ቻይና ካብ ጥሪ ክሳብ መስከረም ምስ ልዕሊ 110 መሻርኽታ ሃገራት ኣስታት 6 ትሪልዮን ዶላር ንግዳዊ ምልውዋጥ ከም ዘካየደት ስታቲስቲካዊ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ብመሰረት እቶም ጸብጻባት፡ መጠን ሰደድ ብልዕሊ 16 ሚእታዊት፡ መጠን እታው ድማ ብልዕሊ 22 ሚእታዊት ክብ ኢሉ ኣሎ። ኣብዚ ዝተጠቕሰ ኣዋርሕ ኢንዱስትርያዊ፡ ኤለክትሮኒካውን ቴክኖሎጂካውን ፍርያት ዝለዓለ ንግዳዊ ምልውዋጥ ከም እተኻየደሎም ተገሊጹ።
እቲ ንግዳዊ ገስጋስ፡ ቑጠባ ቻይና ኣብዚ ዓመት ብኣስታት 5 ሚእታዊት ንምዕባይ ዘእንፍት ምዃኑ ክኢላታት ኣሚቶም።
