ሚኒስተር የማነ፡ ፈኸራ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣዋጅ ወራር እዩ ኢሉ
ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ጀነራል ይልማ መርዳሳ፡ ኣፍደገ ባሕርና ክንከፍት ኣብ ኣፋፌት ኢና ኢሉ

ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል፡ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ጀነራል ይልማ መርዳሳ ኣፍደገ ባሕርናን ልኡላውነትናን ንምምላስ ኣብ ኣፋፌት ኢና ድሕሪ ምባሉ መልሲ ሂቡ።
ሚኒስተር የማነ ኣብ ናይ ኤክስ ገጹ ኣብ ዘስፈሮ ሓጺር ጽሑፍ፡ እቲ ኣዛዚ ብዛዕባ ግዝኣታዊ ምሉእነት ሓንቲ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ዝምልከት ኣህጉራዊ ሕግን ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ዝጥሕስ ወራር ዓሰብ ክእውጅ ብድፍረት ዝቐረበ መራሒ ምዃኑ ገሊጹ።
ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ኢትዮጵያ ተደጋጋሚ መግለጺታት ዝህቡ ዘለዉ፡ ነቲ ናይ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ይዳለወሎም ኣለዉ ዝበሃሉ ዘለዉ ናይ ኲናት ምድላዋት ተኣማንነቶም ንምግላጽ ምዃኑ እውን ኣብሪሁ።
ኣቐድም ኣቢሉ ምክትል ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ጀነራል ኣበባው ታደሰ፡ ናይ መወዳእታ መዓርፎና ዓሰብ እያ፤ መቐለ መሰጋገሪት ጥራይ እያ ክብል ምፍካሩ ዝዝከር እዩ።
