መራሕቲ ዓለም ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣንጻር ናታንያሁ ተዛሪቦም
ብራዚል፡ ቀጠርን ቱርክን ንእስራኤል ብምጽናት ዓሌት ከሲሶማ።

ኣብ መበል 81 ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኒውዮርክ፡ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ሃገራት እስራኤል ኣብ ቃዛ ምጽናት ዓሌት ፈጺማ ክብሉ ከሲሶም።
ፕረዚደንት ብራዚል ሉላ ዳ ሲልቫ፡ ንተግባራት መንግስቲ ናታንያሁ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌት እዩ ክብል ብጋህዲ ገሊጹ።
ኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ፡ ንቕልውላው ቃዛ ብኹሉ መዳዩ ምጽናት ዓሌት እዩ ብምባል ሞጊቱ። ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ድማ፡ ቃዛ ኣብ ዓለም ዝዓበየት መቓብር ህጻናት ክብል ገሊጹ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብወገኑ፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ሓደጋ ምጽናት ዓሌት ፍልስጤም ዳግማይ ይለዓል ከምዘሎ ኣጠንቂቑ።
እዛ ዜና ብእንግሊዝኛ'ውን ኣላ።
ብእንግሊዝኛ ኣንብብ