ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ጸጥታዊ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ
ዜጋታት ኣመሪካ ናይ ምውጻእ መደብ ክገብሩን ሰነዳቶም ኣዳልዮም ክጸንሑን ተላብዩ
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ዶብ ኤርትራ ውግእ ይቕጽል ምህላዉ ብምሕባር፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ዜጋታት ኣመሪካ ዝያዳ ጥንቃቐ ክገብሩ ከም ዝግባእ ዓርቢ 9 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣጠንቂቑ።
እቲ ኤምባሲ ኣብ መግለጺኡ፡ ኤርትራ ንድርብ ዜግነት ኣፍልጦ ስለ ዘይትህብ፡ ናይ ኣመሪካን ኤርትራን ድርብ ዜግነት ንዘለዎም ሰባት ክህቦም ዝኽእል ሓገዝ ውሱን ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብሪሁ።
ሰራሕተኛታት እቲ ኤምባሲ ካብ ከተማ ኣስመራ ወጻኢ ልዕሊ 25 ኪሎ ሜተር ክጓዓዙ ስለ ዘይክእሉ፡ ካብዚ ርሕቀት ወጻኢ ንዝንቀሳቐሱ ዜጋታት ኣመሪካ ዓቕሚ ሓገዝ ድሩት ምዃኑ ተሓቢሩ።
እቲ ኤምባሲ ዜጋታት ካብ መንግስቲ ኣመሪካ ሓገዝ ከይተጸበዩ ካብ ኤርትራ ናይ ምውጻእ መደብ ክገብሩ፡ እዋናዊ ሰነዳት መገሻኦም ኣብ ኢዶም ክሕዙን ማዕከናት ዜና ክከታተሉን ተላብዩ።
