ህወሓት ነቲ ሓድሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነጺግዎ
ምስቲ ምምሕዳር ዝተሓባበሩ ትካላት ተሓተቲ ክኾኑ ምዃኖም ኣጠንቂቑ።

መሪሕነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ነቲ ብመንግስቲ ፌደራል ዝተኣወጀ ሓድሽ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፍጹም ውዱቕ ከም ዝገበሮ ኣፍሊጡ።
እቲ ብፌደራል ዝተሸመ ግዝያዊ ምምሕዳር ብገዛኢ ሰልፊ ዝተጻዕነ ፖለቲካዊ መዋቕር ብምዃኑ፡ ዘመሓላልፎ ዝኾነ ውሳነ ሕጋውነት ኮነ ተፈጻምነት ከም ዘይብሉ ገሊጹ።
ምስቲ ሓድሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተሓባበሩ ትካላትን ሰባትን ከም መቐጸልታ ናይቲ ገዛኢ ሰልፊ ተወሲዶም ተሓተቲ ክኾኑ እዮም ክብል እውን ኣጠንቂቑ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ፌደራላዊ መንግስቲ ንመዕርፎ ነፈርቲ መቐለ ካብ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ወጻኢ ሰራዊትን ወተሃደራዊ ቀረባትን ንምጉዕዓዝ ይጥቀመሉ ኣሎ ክብል ከሲሱ።
እዚ ስጉምቲ ዝመጸ፡ እቲ ፌደራላዊ መንግስቲ ንትግራይ ዝመርሑ ሓሙሽተ ሰበ-ስልጣን ድሕሪ ምሻሙ እዩ።
