ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልተ መዓልቲ 1,511 ሰራዊት ከምዝቐተሉ ገሊጾም
ህወሓት ኣብ ሰሜን ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ 1,050 ከምዝቖሰሉ እውን ሓቢሩ።

ብህወሓት ዝምራሕ ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ክልል ትግራይ ብቐዳም 17 ጥቅምትን ሰንበት 18 ጥቅምትን ኣብ ዘካየድዎ ናይ ክልተ መዓልቲ ውግእ፡ 1,511 ወተሃደራት ፌደራል ከምዝቐተሉን 1,050 ድማ ከምዘቑሰሉን ገሊጾም።
ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህወሓት ነጋሽ ሕሉፍ ነዚ ቁጽሪ ከምዝሃበ መርበብ ሓበሬታ ኣናድሉ ሓቢሩ።
ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከባቢ ማእከል ትግራይ፡ ናብ ከተማ ዓደት ገጹ ክግስግስ ንዝፈተነ ሰራዊት ፌደራል ከምዝዓገቱ እውን ገሊጾም።
ምስ ፌደራል መንግስቲ ካብ ዝተሰለፉ ዕጡቓት ጉጅለ ሓይሊ ሰላም ትግራይ 11 ኣባላት ከምዝቐተሉ ወሲኾም ሓቢሮም።
እዞም ጸብጻባት ብናጻ ኣካል ኣይተረጋገጹን፤ ካብ ወገን መንግስቲ ፌደራል ድማ ክሳብ ሕጂ ወግዓዊ መልሲ ኣይተዋህበን።

