ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰራዊት ዝድግፍ ህዝባዊ ሰልፊ ተኻዪዱ
ኣብ ጎንደር፣ ሰቆጣ፣ ደብረ ታቦር፣ ወልድያን ገንዳ-ውሃን ሰልፊ ተኻዪዱ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ንሰራዊት ምክልኻል ዝድግፍ ህዝባዊ ሰልፊ ተኻዪዱ።
እቲ ናይ ደገፍ ሰልፊ ኣብ ጎንደር፣ ሰቆጣ፣ ደብረ ታቦር፣ ወልድያ፣ ገንዳ-ውሃን ካልኦት ከተማታትን እናተኻየደ ይርከብ።
እቶም ሰልፈኛታት፡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሓድነትን ሉዓላውነትን ሃገር ንምሕያል ይገብሮ ንዘሎ ቃልሲ ንምድጋፍ ዕላማ ዝገበረ ምዃኑ ተገሊጹ።
ኣብቲ ሰልፊ ዓበይቲ ዓዲ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ መንእሰያትን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ዝተፈላለዩ ጭርሖታት ብምስማዕ ይሳተፉ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።
