ሑቲ ንቤት ጽሕፈት ፕረዝደንት የመን ኣብ ዓደን ደብዲቡ
ሓሙሽተ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ 16 ድማ ቆሲሎም።

የመናዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሑቲ፡ ኣብ ከተማ ዓደን ኣብ ዝርከብ ህንጻ ቤት ጽሕፈት ፕረዝደንት የመን መጥቃዕቲ ሚሳይል ከምዘካየደ ተገሊጹ።
ሓሙሽተ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ 16 ሰባት ከም ዝቖሰሉ ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጾም።
ሑቲ ነቲ ብኣል ማሻቕ ዝፍለጥ ቤት ጽሕፈት ፕረዝደንት ሓሙሽተ ባላስቲካዊ ሚሳይል ከምዝደብደቦ፡ ኣብቲ ግዜ መጥቃዕቲ ከኣ ቀዳማይ ሚኒስተር የመንን ካልኦት ኣባላት ካቢነን ኣብ ቀጽሪ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ምንባሮም ተሓቢሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር የመን ሻያ ኣል ዚዳኒ ነቲ ደብዳብ ብምኹናን፡ ኣንጻር ሑቲ ዝግበር ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒት ብዝለዓለ መልክዑ ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ሑቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ካሊድ ሪያድ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዱ 14 ሰባት ቀቲሉን ልዕሊ 300 ኣቑሲሉን እዩ።
